ፕሮግራም

መእተዊ
ህዝቢ ትግራይ ጥንታዊ ስልጣነ ዓለምና ካብ ዝቦኮሩ ህዝብታት ሓደ ምዃኑ ታሪኽ ዘጣለሎ ክዉን ሓቂ እዩ፡፡
ቅድሚ ኣሸሓት ዓመታት ዝቖሙ ጥንታዉያን ስልጣነታት ደኣማትን ይሓን ዘመናት ዝተሳገረ ናይ ህዝቢ
ትግራይ ስልጣነ መርኣያታት እዮም፡፡ እዚ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝጀመረን ስያመ ንግስነቱን ማእኸል
መንግስትነቱን እናለዋወጠ ዝመፀ ስልጣነ ሕመረቱ ትግራይ ጌሩ ኣድማሱ ናብ ኣርባዕቲኡ ኣንፈት እናስፍሐ
እዩ ቀፂሉ፡፡ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ከባቢን ሰገርን ቀይሕ ባሕሪ ፅልዉኡን ግዝኣቱን
እናስፍሐ ዝመፀ ስልጣነ ኣኽሱም ብራኸ ህዝቢ ትግራይ ኩልዕ ኣቢሉ ዘርኢ እዩ፡፡ መንግስቲ ኣኽሱም ኣብዚ
ዞባ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ከባቢ ማእኸላይ ምብራቕን ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝነበሩ ህዝብታትን
መንግስታትን ዝሓየለን ዝበርተዐን መንግስቲ ምንባሩ ብዙሓት ታሪኻዊ መረዳእታታት የብርሁ፡፡ ሕመረቱ
ናይ ሐዚ ትግራይ ገይሩ ዝተደኮነን ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝዓበየ ናይ ንግዲ ማእኸል ዝነበረ ወደብ ኣዶሊስ
ዝነበሮ መንግስትነት፤ ንንውሕ ዝበለ ግዘ ግዝኣቱን ፅልውኡን ዓቂቡ……