
- መሰል ዓርሰ ውሳነ እስካብ ምጥያሽ ሃገረ ትግራይ
- ደሕንነት፣ ብሄራዊ ሓርነት፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን ተጋሩን ምርግጋፅ
- ልምዓት፣ ፍትሕን ዴሞክራስን ምድንፋዕ
- ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ክብርታት፣ ስነ ጥበብ፣ ፍልስፍና፣ ቋንቋ ትግራይ ምድንፋዕ፣ ምልማዕ፣ ምዕቃብ
- ትንሳኤ ስልጣነ፣ መንነታዊ ሓድነት ህዝብን ግዝኣታዊ ሓድነትን ትግራይ ምግሃድ፣
- ማሕበራዊ ፍትሒ ዘረጋገፀ፣ ቁልጡፍን ዕብየትን ልምዓትን ከምኡውን ዝተረጋግዐ ኢኮኖሚ ምህናፅ
- ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዝምህዝን ዝውንን፣ ዘመኑ ዝጠልቦ ፍልጠትን ክእለትን መሊኹ ፀብለልታዊ ብልሒ ዝዓተረ ገስጋሳይ ሕብረተ ሰብ ምፍጣር
- በቢብርኩ ኩለመዳያዊ ረብሓታት ትግራይ ምድንፋዕን ምርግጋፅን
- ምርግጋፅ ስምረት፣ ምሕዝነት፣ ምተእስሳርን ሓድነትን መፃኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን