ሰሙናዊ መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ፟ 21 ግንቦት 2015 ኣ.ግ

1) መከራ ተጋደልትና፡ መርኣያ ሕመቕና!

ውጉኣት ኹናት ተጋደልቲ ትግራይ ዝሓትዎም ዘለው ሕቶታት፡ ቅኑዓትን ንምፍታሖም ቀለልቲ ዝኾኑን ሕቶታት እዮም። ደም ካብ ዝኸፈለ ጅግና ‘እኹል ምግብን ሕክምናን ኣይንረክብን ዘለና፡ ተረሲዕና’ ዝብሉ ሕቶታት ምስማዕ ልቢ ሕድሕድ ትግራዋይ ከም ዝሰብር ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ይኣምን። ቀለልቲ ሕቶታት ጅግንኡ ክምልስ ዘይኸኣለ ህዝቢ ኣብ ዓብይ ብሄራዊ ሓደጋ ኸምዘሎ ክፈልጥ ይግባእ። ሳወት ዛዕባ ተጋደልትና ዛዕባ ሕድሕድ ትግራዋይ ከምዝኾነ ይኣምን። ብህወሓት ክምለስ ከምዘይኽእል ዳግማይ ሰልፊ ምውፃእ ተጋድልትና አርእዪና ኣሎ። ሐዚ እውን ኣብ ደገን ውሽጥን ዘሎ ትግራዋይ ነዚ ጒዳይ ብበዓል ዋንነት መንፈስ ተላዒሉ ዘላቒ መፈትሒ ዘምፅኡ ስራሕቲ ክሰርሕ ፃውዒትና ነቕርብ።

2) ረድኤት፡ ኽልከላን ጉሕለትን

ንትግራይ ካብ ዝተብሃለን፡ ኣብ ጁቡቲ ተራጊፉ ካብ ዝነበረን ዘሎን ሓገዝ ኣፋውስን ምግብን፡ ዛጊድ ንትግራይ ዝኣተዎ እቲ 16% ጥራይ ከምዝኾነ ውድብና ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዘካየዶ ‘ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ’ የመላኽት። እምበኣር ንትግራይ ተባሂሉ ዝኣተወ ረድኤት፡ ‘ይጓሓል ኣሎ’ እንትበሃል፡ ካብቲ ንትግራይ ምብፃሕ ዝኸኣለ ኣዝዩ ቁንጣር ሓገዝ ከምዝኾነ ምርድኡ የድሊ። ንትግራይ ተባሂሉ ክኣትው ዝኸኣለ ሓገዝ ንእሽቶ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ጉሕለት ተወሲኽዎ፡ ሞትን ስቓይን ትግራዋይ ክበዝሕ ይገብር ኣሎ። ‘ትካል ዓለም ለኸ ምግቢ ኣቋሪፅዎ ዝነበረ ሓገዝ ክቕፅል እዩ’ ዝብልን ዝውዛዕን ዘሎ ሓበሬታ ይኹን ወረ ከየሐለልና፡ ሓገዝ ኣብ ልዕሊ ዝህቡ ከም ትካል ምግቢ ዓለም ዝበሉ ትካላት፡ ሓገዝ ጠጠው ኣብ ምባል ዘለዎም ቅዋም ጥራይ እንተይኾነስ፡ ንትግራይ ዝተብሃለ ሓገዝ ንትግራይ ንክበፅሕ ክገብሩን ክሳብ ብናይ ባዕሎም መሓውር ገይሮም ሓገዝ ከቕርቡን፡ ብዘይ ዕረፍቲ ስራሕና ክንገብሮ ይግባእ።

3) ኣብ መሬት ዓዲ’ቦኡ ሐዚ እውን ትግራዋይ ይበሳበስ ኣሎ!

ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝገለፅናዮ ሐዚ እውን ኣብ ኢድ ፀላኢ ዘሎ ህዝብና፡ ማእለያ ንዘይብሉ መከራ ተሳጢሑ እዩ ዝርከብ። ኣብዚ ሰሙን ኣብ ከምኒ ዓዲ ፈረጅ፣ ቆራሪት፣ ማይጋባን ዕጣኖን ኣሻሓት ዘስፈረ ሓይሊ ኣምሓራ፡ ቅትለትን ምፍንቓልን ተጋሩ ድማ ብዝገደደ ቀፂሉሉ እኒሀ። ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓሰርተ መዓልቲ ውሽጢ 20 ንፁሃት ተጋሩ ብምዃኖም ጥራይ ብዘስካሕክሕ መገዲ ብሓይሊ ኣምሓራ ተቐቲሎም እዮም። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ሓይሊ ኣምሓራ ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ መናእሰይ ወዲቡ ይጉሕሎ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኾይኑ፡ ንኣብነት ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ጣብያ ማይ ዓይኒ ቁሸት ሃይዳ ዘሎ ሃፍተገነት ወርቂ እናተጉሓለ ብግልፂ ንጎንደር ይፀዓን ከም ዘሎ ሳወት ዝገበሮ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ የረጋግፅ። ሳወት ሐዚ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ኸባቢታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበፅሕ ዘሎ መከራ ብትሪ ዝኹንን ኾየኑ፡ ወረርቲ ካብ መሬት ትግራይ ተፀራሪጎም ክወፁ ይፅውዕ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

21 ግንቦት 2015 ኣ.ግ

መቐለ፡ ትግራይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *