ሳወት ኣብ ማይጨው!

ብሓላፊ ክፍሊ ውዳበን ዓቕሚ ህንፀትን ውድብና Ablelom Melesን ብሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካ ውድብና Kinfe Hadushን ዝምራሕ ልኡኽ ውድብና፡ ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበሮ ዕወት ተኸታታሊ ልኡኽ ኣብ ከተማ ውቕሮ ድሕሪ ምኽንባቱ፡ ሎሚ 12 ግንቦት 2015 ኣ.ግ ድማ ኣብ ከተማ ማይጨው፡ ምስ ኣባላትን ደገፍትን ውድብና ከምኡ ድማ ምስ ገለ ክፋል ማሕበረሰብ ከተማ ማይጨው ተራኺቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ብሄራውን ውድባውን ዛዕባታት ክመክር ውዒሉ። ደሃይ ኣባላት ውድብና ምጥላል ዝሓውስ እዚ ናይ ሎማዓንቲ ዕማም፡ ኣጠቓላሊ ኹነታትን ፖለቲካን ትግራይና፣ ዛዕባ ጨንፈር ውድብ ሳወት ማይጨውን ካልኦት ሰፋሕቲ ብሄራዊን ውድባውን ዛዕባታት ኣመልኪቱ ድማ ብዕምቆት መኺሩ እዩ።

ድሕሪ እቲ ዘተ ንሳወት ጨንፈር ከተማ ማይጨው ግርማይ ፀጋይ(0935707738) ዋና መተሓባበሪ

ቴድሮስ ኪሮስ(0913533726) ድማ ምክትል መተሓባበሪ ክኾኑ ተመሪፆም ኣለው።

ኣብ ማይጨውን ከባቢኣን ትርከቡ ስርዓታዊ ለውጢ እትብህጉን እትሃርፉን ደቂ ትግራይ፡ ኣብ ሳወት ጨንፈር ማይጨው ተፀንቢርኹም ክትቃለሱ ድማ ፃውዒትና ነቕርብ።

ተወደቡ፡ ተወደባ

ንወደብ

ብሄራዊ ባህግና ነግህድ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *